ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ብመሰረት ዝተሰርሐ ሪፎርም ኣታዊኡ ካብ ዝነበሮ 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ናብ 4 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ክብ ከምዝበለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብሪሆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ እቲ መገዲ ኣየር ድሕሪ ኮረና 35 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣውሮፕላናት ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።
6 ቢሊየን መንገደኛታት ብሓደ ጊዘ የተኣናግድ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ እዚ ናብ 22 ቢሊየን ከምዝዓበየ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ በዝሒ ተጠቀምቲ ቴሌኮም ካብ 38 ሚሊየን ናብ 65 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓብዩ ኢሎም።
ብከስቢ እንትረአ ድማ ካብ 33 ቢሊየን ብር ተበጊሱ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወሰኽ ኣርእዩ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
በግጭት ምክንያት የአገልልሎት ሽፋን የማያገኙ ተቋማት አሉ። ሁሉን አልደረስንም ገና ነን ብዙ ሥራ ይጠበቅብናል። ውጤት መጥቷል ነገር ግን ወደምንፈልግበት ደረጃ ለመድረስ ገና ብዙ ይቀረናል።
ብድምሩ “ውፅኢት መፂኡ ኣሎ ይኹን እንበር ናብ እንደሊዮ ብርኪ ንምብፃሕ ገና ብዙሕ ይተርፎ ኢዩ” ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።