ኣተገባባራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዝነኣድ ብርኪ ከምዝርከብ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣተገባባራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዝነኣድ ብርኪ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ዝኣተዎ ውዕሊ ሰላም በረራታት ናብ ክልል ትግራይ ምጅማሮምን ህወሓት ዕጥቂ ምፍታሕ ምጅማሩን ከም ፅቡቕ ጅማሮ ዝረአ ከምዝኾነ ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብምኽንያት ተፈጢሩ ዝነበረ ኲናት÷ ናብ ከተማታት ትግራይ ይግበሩ ዝነበሩ በረራታት ንክልተ ዓማውቲ ተቛሪፆም ከምዝጸንሑን ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብ ብመንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ውዕሊ ሰላም ሰዒቡ÷ ናብ ክልል ትግራይ በረታታት ምጅማሮም ፅቡቕን ተስፋ ዝህብን ምዃኑ ብምሕባር፤ መንግስቲ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ ኣብ መጉዓዝያ ተሸከርከርቲ ኣድህቦ ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኮማንደር ገ/መስቀል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

“ብኻልእ ወገን ህወሓት ኣተገባብራ እቲ ውዕሊ ዕውት ንምግባር ኣብዚ ሰሙን ኣፅዋራት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከረክብ ምጅማሩ ዝነኣድ ተግባር እዩ ዝበሉ እቶም ኮማንደር” እቲ ከይዲ ነቲ ህዝቢ ሩፍታ ከምዝፈጠረሉ ሓቢሮም፡፡

ብፋኑስ መብራህቱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment