ኣተኣኻኽባ እቶት ንምዕባይ ዝተዋደደ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ወሳኒ ኢዩ – ሚኒስቴር እቶት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተረጋገገአ ስርዓት ኢኮኖሚ ንምፍጣርን ኣተኣኻኽባ እቶት ንምድንፋዕን ቀፃሊ ዝኾነ ዝተዋደደ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ኣገንዚበን፡፡

መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ምቁፅፃርን ምክልኻን ኮንትሮባንድ፣ ምጭብርባር ታክስን ንግዲን በጀት ዓመት 2016 ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ኣይናለም ንጉሴ ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትካላት ፍትሒን ፀፅታን ዝሐሸ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ንኽፍጠር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱን ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት እውን እዚ ኣጠናኺም ንኽቕፅሉን ሓቲተን፡፡

“ኣብ በጀት ዓመት 2016 ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ሃፍቲ ሃገር ካብ ለያቡ ምድሓን ተኻሉ ኢዩ” ምባለን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም÷ ኣመራርሓ ሚኒስቴር እቶት፣ ኮሚሽን ጉምሩኽ፣ ሰራዎት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌደራል፣ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ሚኒስቴር ፍትሒን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment