ኣተሓሕዛ መረዳእታ ትሕዝቶ መሬት ምዝማን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ዝቐርፍ ኢዩ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣተሓሕዛ መረዳእታ ትሕዝቶ መሬት ከተማ ምዝማን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ዝቐርፍ ኢዩ  ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ተዛሪበን።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤን ምንቅስቓስ ስራሕቲ ቢሮ ምምሕዳር ለምዓት መሬት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ርኢን።

እቲ ቢሮ ኣብ ክሊ ምምሕዳር መሬት ኣብ ዝሰርሖ ሪፎርም ዝተፈላለዩ ለውጢታት ምህላዎም ከምኡወን ሕጊታት መሬት ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ምምሕያሽ፣ ምእካብን ሪፎርምን ምሽካም ዘኽእል ኣወዳድባ ምፍጣሩ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ዘርገሐ መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ፣ ስራሕቲ ለምዓት ሲስተም፣ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእታን ስርዓት ምምሕዳርን ናይ ምምሕያሽ ተግባር፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ምቹእ ናይ ስራ ከባቢን ከመዝተፈጠረ ተሓቢሩ።

ብቤዛዊት ከበደ

 

Comments (0)
Add Comment