ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ 2014 ዓ.ም ዝህሉ ኣተሓሕዛ መረዳእታን ስርዓት ልውውጥን ሓበሬታ ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ተገሊፁ።
ነዚ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ምስ ሰብ ዋና እተን ትካላትን ሰብ ሃፍቲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ፥ መንግስቲ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ተበፃሕነት ትምህርቲ፣ ፅርየትን ኣግባብነትን ንምርግጋፅ ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ዕላማ እቲ ዘተ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ብምፍታሕ ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ድኽነት ምውፃእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታትን ሪፎርምታትን ብምስራይ ክድግፍ ከምዝፀንሐ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ብቕዓት ዘለዎ ዜጋ ብዝተደለየ መገዲ ንምህናፅ ኣብ ኣተሓሕዛ መረዳእታን ስርዓት ልውውጥን ሓበሬታ ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።