ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ኣፍሪካ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ፥ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝተረኸቡ ዓወታት ብምኽኒያት ፀገም ፀፅታ ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ስግኣት ንከይህልዎ ብሓባር ክስርሑ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ መእታዎም ይዝከር።

እቲ ጉባኤ ካብ 11 ክሳብ 12 ለካቲት 2015 ዓ.ም ዝሳለጥ እንትኸውን፥ “ዞባዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ትግበራ ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment