ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ሎሬንዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንቱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ፕሬዚዳንት ጆኣዎ ሎሬንዞ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ዕላዊ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ስራሕ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽነራትን ከምዝሳተፉ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ብምዃን ዝተመረፁ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ካብ ተሰናባቲ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ስልጣን ብምርካብ ብዕሊ ስራሕ ክጅምሩ ኢዮም።