ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ንክስማምዓ ንዝገብርዎ ፃዕሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሙሉእ ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ  ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ንክስማምዓ ንዝገብርዎ ፃዕሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት  ሙሉእ ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ሀንፀት ዓብዪ ገድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለወን ኣፈላላይ ብምፅባብ ናብ ስምምዕ ንክመፅኣ ዓሊሞም እቶም ኣቦ መንበር ንዝገበርወዎ ፃዕሪ ሙሉእ ደገፍ ከምዝገበር ኢዩ ገሊፆም።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ሙሉእ ደገፍ ከመዝገበር ምግላፁ ኣብቲ ትካል ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቲዊተር ገፅ ዘውፅኦ መረዳእታ ይሕብር።

እቲ ድርድር ብመንፈስ ሕውነት፣ ናይ ሓባር ተረባሕነተን ስምምዕን ንክዛዘም ሃገራት ተፋሰስ ብጥንካረ ክሰርሓ ከምዝግባእ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብተወሳኺ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣካል ምትሕብባርን ሓድነትን ሰለስቲአን ሃገራት ክኸወነ ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment