ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እቶም ኣቦ መንበር፥ ዑደቶም ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ናብ ካርቱም ተመሊሶም።

ሌተናል ጄነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ስራሕቲ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ኢንቨስትመንትን ሕርሻን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ብመሰረት እዚ ፋብሪካ ፋርማሲዩቲካል ሰን ሸንግ ዘፍርዮም ኣፋውስ ሕክምናን ኦክስጅንን ዝርከቡሉ ከይዲ ምፍራይ ተመልኪቶም።

ኣብ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ዝርከብ ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ዝርከብ ጆይ ቴክ ኣብ ዝበሃል ማእኸል ዘበናዊ ሕርሻ እውን ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ሌተናል ጄነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment