ኣቦታት ላዕለዎት ሓለውቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ላዕለዎት ሓለውቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።

ላዕለዎት ሓለውቲ ኣቦታት እቲ ጉባኤ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተረኺቦም ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ተዓዚቦም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ንኢትዮጵያ ህዝባን ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ፀሎት ኣብፂሖም።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ 5ቲአን መዓልቲታት ወርሒ ጳጉሜን ብብርኪ ሃገር ፀሎት ንኽካየድ ምእዋጁ ይዝከር።

ላዕለዋይ ፃሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፥ “ምልክት ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ብምርካብና ተጒስና ኢና” ኢሎም።

ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ሓዱሽ ተስፋን ሰላምን ሒዙ ክመፅን ዘለዎም ትምኒት እውን ገሊፆም።

ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ድሕንነት እቲ ግድብ ስግኣት ድሕንነት ኢዩ ብምባል ዘይተገበአ ፅዕንቶ ንምብፃሕ ይፈትና እምበር፥ “ህንፀቱ ብዕዉት እናተሳለጠ ምልኢት ማይ ብዝተቐመጠሉ መርሃ ግብሪ መሰረት ብምግባር እናተካየደ ስለዝኾ ንኹልና ኣሐጒሱና ኢዩ” ኢሎም።

ግድብ ህዳሰ ናይ ኩሉ ሓበራዊ ሃፍቲን ውፅኢት ፃዕሪን ስለዝኾነ፥ ኣብ ቀፃሊ ሓገዝን ምትሕብባርን ህዝቢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እቶም ላዕለዎት ሓለውቲ እቲ ጉባኤ ፀዊዖም።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ፥ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቶም ኣቦታት ሃይማኖት ገለፃ ከምዝገበሩሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment