ኣቦታት ሃይማኖት እቶት ውሽጢ ሃገር ንምድንፋዕ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ሃይማኖት እቶት ውሽጢ ሃገር ንምድንፋዕ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ሚኒስቴር እቶት ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ኣቦታት ሃይማኖት መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፤ መንግስቲ ንዜጋታት ዘድልዩ መሰረታዊ ጉዳያት ከማልእ ዝኽእል ካብ ግብሪ ስለዝኾነ ዜጋታት ናይ ግብሪ ግቡኦም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ዜጋታት ግቡኦም ንኽዋፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት ንዘበርከቱዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ድማ ትካለን ኣፍልጦ ከምዝህብ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ምእካብ ግብሪ ዘለዎም ግደ ብዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ልዝብ እናተገበረሉ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ቤተክርስቲያንን ተወካሊ ቅዱስ ፓትሪያርክን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያ እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋን ካልኦት ኣቦታት ሃይማኖት ተረኺቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment