ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ተሳትፎን ውክልናን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ልዝብ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ተሳትፎን ውክልናን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ልዝብ ይግበር ኣሎ።

ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን እናተሳተፉሉ ዝርከብ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ደቂ ኣንስትዮን፣ ህፃናትን መናእሰይን ሙና ኣሕመድ ብመደረ ከፊተንኦ።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ተሳትፎን ውክልናን ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ኣዚዩ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ፓርቲታት ኣብ መረፃ ክንደይ ዘኣክል ሕፁያት ተመረፅቲ ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ዋና ሕቶ ኢዩ እውን ኢለን።

ክሳብ ሕዚ ተሳትፎ ደቆ ኣንስትዮ ንምዕባይ ብኣመራርሓ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዓበይቲ ይኹኑ እምበር ሕዚ እውን ብኹሉ ብርኪ ተሳትፎን ውክልናን ብዝበለፀ ምርግጋፅ ከምዘድሊ ተዛሪበን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ዙሪያ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ውሳነ ወሃባይነትን ደቂ ኣንስትዮ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታት ዝምልከት ዳህሳስ መፅናዕቲ ቀሪቡ እናተዘተየሉ ይርከብ።

ደቂ ኣንስትዮ ውሳነ ዝህባ ከይኾና ዝገበሩወን ኣብ ውዳበ፣ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ፀገማት እንታይ እንታይ ኢዮም ዝብሉ ጉዳያት ኣብቲ መፅናዕቲ ተፈቲሹ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment