ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰዓራይ ሓሳብ ጥራሕ ውክልና ህዝቢ ክረክብ ከምዝግባእ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰዓራይ ሓሳብ ጥራሕ ውክልና ህዝቢ ክረክብ ከምዝግባእ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ፃንሒት ዝተረኸቡ ተወከልቲ ፓርቲታት ኣብን፣ ኢዜማን ትዴፓን፥ ፓርቲታት ዘለዎም ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ንህዝቢ ብምቕራብን ብምርዳእን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ሰዓራይ ዝኾነ ሓሳብ ጥራሕ ውክልና ህዝቢ ንኽረክብ ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝፃወቱ ገሊፆም።

ናፃ ፍትሓዊን ሰላማዊን መረፃ ምክያድ ንስርዓት ዴሞክራሲን ህንፀት ሃገርን ዘለዎ ብፅሒት ዓቢዪ ምዃኑ ዝገለፁ እቶመ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት፥ ነዚ ድማ ውፅኢት መረፃ ጥራሕ ዘይኮነስ ከይዱ እውን ናፃ፣ ፍትሓዊን ሰላማዊን ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ንሙሉእ ተግባራውነቱ ድማ መንግስቲን ተናሓናሕቲን ፓርቲታት ሓዊሱ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment