ኣብ 2030 ድኽዳኸ ህፃናት ዜሮ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2030 ድኽዳኸ ህፃናት ዜሮ ንምግባር ተሓሲቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ብምድሃብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ደቡብ መድረኽ መውሀቢ ግንዛበ ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ እናተኻየደ ይርከ።

ሚኒሰስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጃ ዱጉማ ከምዝገለፁዎ፥ ድኽዳኸ ህፃናት ኣብ 2030 ናብ ዜሮ ንምውራድ ትልሚ 15 ዓመት ተታሒዙ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ 37 ወረዳታት እታ ሃገር ዝረአ ፀገም ሕፅረት ምግቢ ህፃናት ንምፍታሕ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ተግባራዊ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር 37 ሚኢታዊ ዝኾኑ ህፃናት ናይቲ ፀገም ተጠቃዕቲ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ብጅብሪል ሁሴንን ማቱሳላ ማቴዎስን

Comments (0)
Add Comment