ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ኢትዮጵያ ናፅነታን ሉኣላውነታን ብዝሓለወ መልክዑ ምስ ሃገራት ጥንኩር ዲፕሎማሲ ንክህልዋ ትሰርሕ ኣላ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ኢትዮጵያ ናፅነታን ሉኣላውነታን ብዝሓለወ መልክዑ ምስ ሃገራት ጥንኩር ዲፕሎማሲ ንክህልዋ እናሰርሐት ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ከም ኣቆፃጽራ ፈረንጂ 2021 ሃገርና ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ተጓንፎታት ኣጋጢሞምዋ ከምዝነበረን ነዚ ንምጽዋር ኣብ ዝተገብረ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ካብ ሓይልታት ውሽጥን ወፃእን ዝበፅሕዋ ፅዕንቶታትን ፀገማትን ንምጽዋር ኣብ ጥቕኣ ዝተሰለፋ ሃገራት ከምዘለዋ ዝገለጹ እቶም ኣምባሳደር፤ ገፀን ዘዞራ ሃገራት ከምዝነበራ እውን ገሊፆም።

ከም ኣቆፃጽራ ፈረንጂ 2022፤ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ፅንኩር ርክብ ዲፕሎማሲ ንክህልዋ ፀንኪራ ከም እትሰርሕ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣምባሳደራት ዓሰርተ ሃገራት ደብዳበ ሹመት ንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምቕራቦም እውን ገሊጾም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment