ኣብ 2015 ዓ.ም 280 ዕሸል ከተማታት ተረባሕቲ ዝርግሐ ሓይሊ ኤለትሪክ ክኾና እየን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌትርክ ኢትዮጲያ አብዚ ሕዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት 280 ዕሸል ከተማታት ተጠቀምቲ ዝርግሐ ሓይሊ ኤለትሪክ ክኾና እየን ኢሉ፡፡

ዋና አፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌትርክ ኢትዮጲያ ሽፈራው ተሊላ፤ አብ በጀት ዓመት 2015 ዓ/ም ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ እዩ ክብሉ ነዚ ዝገለፁ እንትኾን፤ እቲ ግልጋሎት ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2014 ዓ/ም ኣብ 204 ዕሸል ከተማታት ተጠቀምቲ ብምግባር  367 ሽሕን 466 ሓደሽቲ ዓማዊል ከጥሪ ምኽኣሉ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ኣብ ዝፈፀሞ ወራር ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝበፀሐ ጉድኣት ኣብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ሓደ ነጥቢ 2 ቢሊዮን ብር ኪሳራ ክበፅሕ ምኽኣሉ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ግልጋሎት ፀጊንኻ ንሕብረተሰብ ምብፃሕ ከም ዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ 2015 ዓ/ም 1 ነጥቢ 2 ዓማዊል ንምፍራይን ግልጋሎት መሸጣ ሓይሊ ኤሌትሪክን ብተወሳኺ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት 43 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ብር ንምርካብ ተተሊሙ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment