ኣብ 2013 ዓ.ም ቁፅሪ ዓማዊሉ ናብ 52 ሚሊየን ንምዕባይ ከምዝሰርሕ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ቁፅሪ ዓማዊሉ ናብ 52 ነጥቢ1 ሚሊየን ንምዕባይ ከምዝሰርሕ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሰለስተ ዓመትን ቀንዲ ትኹረት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ እቲ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ሓደ ኣካል ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ውሽጢ ተለዋዋጢ ዕዳጋ ዓለም ኮይኑ ተመራፂ ትካል ቴሌኮም ክኸውን ዝግበር ፃዕሪ ኢዩ ኢለን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2023 ዝፀንሕ እቲ ስትራቴጂካዊ ትልሚ፥ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ተበፃሕነት ዕዳጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ዕግበት ዓማዊልን ምዕባይ ተሞክሮን ዘድህብ ስትራቴጂ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ፥ ካብ ተበፃሕነት ሓሊፉ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ሽም እቲ ኩባኒያ ንምሕዳስ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሀን።

ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ሓፈሻዊ ኣታዊ እቲ ትካል ብር 55 ነጥቢ 5 ቢሊየን ንምብፃሕ ከምዝተተለመ ወይዘሪት ፍረህይወት ገሊፀን።

እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ካብ ዝነበረ ብር 47 ነጥቢ 7 ቢሊየን ኣታዊ 16 ነጥቢ 4 ሓለፋ ዘለዎ ኢዩ።

ቁፅሪ ተጠቀምቲ ሞባይል ስልኪ ድማ ካብ ዝነበሮ 44 ነጥቢ 5 ሚሊየን ናብ 48 ነጥቢ 7 ሚሊየን ክብ ንምባል ከምዝስራሕ ሓቢረን።

ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ኔትዎርክ ብኣግባቡ ዘይተኣታተወሎም ኣብ ከባቢ ገጠር ዝርከቡ ቦታታት ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕቲ ከምዝዛዘም እውን ገሊፀን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽፈቱ 150 ሳይታት ሓዊሱ 842 ሓደሽቲ መስፋሕፍሒታት ከምዝትከሉ ድማ ኣብ መግለፂአን ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment