ኣብ 10 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃ ወርቂ ልዕሊ 553 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 10 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃ ወርቂ ልዕሊ 553 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ገሊፁ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ 2013 ዓ.ም ዕዳጋ ወርቂ ኣዚዩ ወሪዱ 29 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ጥራሕ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሚኒስቴር ብዝሰርሖ ስራሕቲ ለውጢ ብዝለዓለ ብርኪ ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

ኣብ 2012 ዓ.ም 198 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ዝተረኸብ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ እዚ ዓመት 553 ሚሊየን ዶላር ክርከብ ክኢሉ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ነዚ ውፅኢት ካብ ምውፃእ ወርቂ ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ምንቅስቓሳት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት መርሃ ግበሪ ምስጋናን ኣፍልጦን የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ንጂነር ታከለ ኡማ፣ ኣብ ፍርያት ወርቂ ዝተዋፈሩን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ወርቂ ብባህላዊ መገዲ ምፍራይ ዝጀመረ ቅድሚ 2000 ዓመታት ከምዝነበረ ፍልፍል ድርሳናት ይሕብሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ባህላዊ ፍርያት ወርቂ ዝተዋፊሮም ይርከቡ።

ትግራይ፣ ደቡብ፣ ኦሮሚያ፣ ጋምቤላን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ወርቂ ብምፍራይ ዝፍለጣ ከባቢታት ኢየን።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment