ኣብ ፕሮጀክታ ልምዓት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝካየድ ወርክሾፕ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሮጀክታ ልምዓት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምድሃብ ንክልተ መዓልቲታት ዝካየድ ወርክሾፕ ተኸፊቱ።

ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት ፕሬዚዳንታት፣ ምክትል ፕሬዚዳንታትን ኣብ ዩኒቨርሲታት ፕሮጀክታ ትልሚ ልምዓት ዝመርሑ ሓለፍቲን ኣብቲ ዝተኸፈተ ወርክሾፕ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ እቲ ዎርክሾፕ ዩኒቨርሲታት ኣዲስ ኣበባን ሃረማያን ሓዊሱ ናይ 16 ዩኒቨርሲቲ ፕሬዚዳንታት፣ ምክትል ፕሬዚዳንታትን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ሚኒትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ዘጀመረኦ እንትኾና፥ ቀንዲ ዕላማ መምርሒ ምምሕዳር ፕሮጀክት ልምዓትላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃፍቲን ተወሳኺ ሃፍቲታት ኢንቨስትመንት ብቕልጡፍ ናብ ልምዓትን ምዕባለን ንምልዋጥ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ሚኒትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዝተፈጠሩ ክስተታት ናይ መንግስቲ ገንዘብ ኣጠቓቕማ ብጥንቃቐ ምሓዝ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዓለምና ዝፍጠሩ ለውጢታት ኣብ ግምት ንምእታው ኣብ ፅሬት ዘፈር ትምህርቲ ሓሊኻ እታወታት ብግቡእ ንምጥቃም ፕሮጀክት ምምሕዳር ልምዓት ጠቓሚ ከምዝኾ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment