ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዳግም ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ንካልኣይ ዙር ከምዝተዓወቱ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ተጭበርቢሩ ብዝብል ንካልኣይ ዙር ኣብ ዝተኻየደ መረፃ÷ ኤመርሰን ምናንጋግዋ 52 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ዳግም ተዓዊቶም፡፡

ቀንዲ ተናሓናሒ ምናንጋግዋን መራሒ ፓርቲ “ሲትዝንስ ኮኣሊሽን ፎር ቼንጅ”ን ኔልሰን ቻሚሳ ድማ 44 ሚኢታዊ ድምፂ ከምዝረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ዳግም ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ውድቂ ከምዝገበሩዎ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ኤመርሰን ምናንጋግዋ ከም ኣቆጻፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ኣብ ልዕሊ ነበር መራሒ እታ ሃገር ሮበርት ሙጋቤ ዝተገበረ ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ከምዝመፅኡ ይዝከር፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment