ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመሪካውያን ፅባሕ ሰሉስ 5 ሕዳር 2024 ዓ.ም.ፈ ዝቕፅል ፕሬዚዳንቶም ንምምራፅ ድምፂ ክህቡ’ዮም።
ሕፅይቲ ሰልፊ ዲሞክራት ምኽትል ፕሬዚዳንት ካማላ ሃሪስን ሕፁይ ሪፓብሊካን ነበር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ንሰሙናት ሓያሎ ጐስጓሳት ክገብሩ ቀንዮም’ዮም።
መረፃ ዝካየደላ መዓልቲ እናቐረበት ምስ መፅአት ንውፅኢት እቲ መረፃ ዝውስና “ስዊንግ ስቴትስ” ተባሂለን ዝፍለጣ ግዝኣታትን ካልኦት ግዝኣታት ኣሜሪካን ክወሃብ ዝቐነየ ድምፂ ኣዝዩ እናኸረረ መፂኡ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ኣዝዩ ፀቢብ ፍልልይ ዓወት ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። እዚ ድማ ዳግማይ ቘፀራ ድምፂ ክግበር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ብተወሳኺ ገለ ውፅኢታት ቀስ ኢሎም ዝፍለጥሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት -እተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት ሓዊሱ- ካብ 2020 ጀሚረን ናይ ባዕለን መረፃ ከመሓድራኦ ምጅመረን እዩ ተባሂሉ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር እቲ ናይ መጀመርታ ምሃብ ድምፂ ሰሉስ ምሸት ሰዓት 1፡00 ክዕፆ’ዩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ምሃብ ድምፂ ድማ ረቡዕ ኣጋ ምሸት ሰዓት 5፡00 ክዕፆ እዩ።
እዚ ውድድር ግን ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት፥ ኣሪዞና፣ ጆርጅያ፣ ሚቺጋን፣ ኔቫዳ፣ ሰሜን ካሮላይና፣ ፔንሲልቫንያን ዊስኮንሲንን ዝመፅእ ውፅኢት ከምዝውሰን ተገሊፁ።
ምሸት ሰዓት 8፡00 ኣብ ጆርጅያን ካልኦት ሓሙሽተ ግዝኣታትን ብኽፋል ድማ ኣብ ሰለስተ ተወሳኺ ግዝኣታት ምሃብ ድምፂ ይዕፆ።
ምሸት ሰዓት 8፡30 ኣብ ሰሜን ካሮላይና ሓዊሱ ኣብ መላእ ኣርባዕተ ግዝኣታት ምሃብ ድምፂ ይዕፆ።
ኣብዛ ግዝኣት ካብ 2008 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዙ ሕፁያት ዲሞክራት ተዓዊቶም ስለ ዘይፈልጡ ሃሪስ’ውን ኣብ ሰሜን ካሮላይና ዝዕወታሉ ድምፂ ዘይክትረኽባ ይኽእላ ኢየን።
ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 3፡00 ኣብ ፔንሲልቨንያን ካልኦት 16 ግዝኣታትን ከምኡ’ውን ብኽፋል ኣብ ሚሺጋንን ካልኦት ኣርባዕተ ግዝኣታትን ምሃብ ድምፂ ይዕፆ።
ሰዓት 4፡00 ድማ ኣብ ሚሺጋን ዝተረፉ ነቑጣታት መረፃ ይዕፆ፤ ኣብ ኣሪዞና፣ ዊስኮንሲንን ካልኦት 12 ግዝኣታትን’ውን ክውዳእ እዩ።
ሰዓት 5፡00 ኣብ መላእ ኔቫዳንን ካልኦት ክልተ ግዝኣታትን ከምዝዕፆ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ቆፀራ ድምፂ ብዝምልከት፥ ከም ልሙድ ኣብ መዓልቲ መረፃ ዝወሃብ ድምፂ ፈለማ ይቑጸር። ስዒቡ ድማ ብፖስታ ዝወሃብ ድምፂ፣ እቶም ብድሆ ዘጋጠሞም፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራትን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝወሃብ ድምፂ ይቑፀሩ።
ምርግጋጽ ዝወሃብ ድምፂ፥ ብዝሒ ንጡፋት መረፅቲ ምስ ድምፂ ዝሃቡ ምውድዳር ዘጠቓልል ኢዩ።
ነፍሲ ወከፍ ድምፂ ምሃብ ዝተቐደደ ወይ ካልእ ጕድኣት/ ምብልሻው ዝበፅሖ ወረቐት ምእላይ፣ ምግምጋም፣ ከምኡ’ውን ምስናድን ምፅራይን’ዩ።