ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ደረጃኣ ዘመሓየሸትሉ ውፅኢት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መበል 19 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ንጅማ ኣባ ጅፋር 2 ን 1 ብምስዓር ደረጃኣ ኣመሓሻ።

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋዲሳ መብራቴን ሄኖክ ኣየለን ብዘቑፀሩወን ሽቶታት ድሬዳዋ ስዒራ ንኽትወፅእ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ዳዊት ፍቓዱ ድማ ብሕታዊት ሽቶ ጅማ ኣባ ጅፋር ኣመዝጊቡዋ፡፡

ነቲ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ካብ ዝነበረትሉ 14 ደረጃ ክልተ ደረጃ ብምምሕያሽ ደረጃኣ ናብ መበል 12 ክብ ክተብል ክኢላ፡፡

መበል 19 ሰሙን ፀወታታት ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየዱ እንትኾኑ፥ ምሸት ሰዓት 12 ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ምስ ወላይታ ዲቻ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment