ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማን ሰበታ ከተማን ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 12 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ክልተ ቀሪ ፀወታታት ተኻይዶም።

ናብ ጎንደር ተጓዒዛ ኣብ ስታዲየም ፋሲለደስ ምስ ፋሲል ከነማ ዝገጠመት ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኚቨርሲቲ ብብሕታዊት ሸቶ ሙጂብ ቃሲም 1 ን 0 ስዕረት ኣተኣናጊዳ ተመሊሳ።

ሙጂብ ቃሲም መሪሕነት ኮኾብ መቑፀራይ ሽቶ ዘጠናኸረትሉ፣ ከምኡ እውን ጋንትኡ ፋሲል ተዓዊታ ደረጃኣ ዘመሓየሸትሉ ሸቶ ኣብ መበል 24 ብፍፁም ቅላዕ ከቑፅራ ክኢሉ ኢዩ።

ሰበታ ከተማ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገበረኦ ካሊእ ፀወታ ድማ ብዓወት ሰበታ ከተማ 2 ን 1 ተዛዚሙ።

ሰበታ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ባኑ ዲያዋራ ኣብ መበል 7ይ ደቒቓን ፍፁም ገብረማርያም ኣብ መበል 81 ደቒቓን እንተቑፅሩወን፥ ብሕታዊት ሸቶ ሃዲያ ሆሳእና ቢስማርክ ኦፒያ ኣብ መበል 32 ደቒቕ ከቑፅራ ክኢሉ ኢዩ።

ንፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ23 ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ፋሲል ከነማን መቐለ 70 እንደርታን ብማዕረ 22 ነጥቢ ብሸቶ ተበላሊፀን ካልአይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን ይመርሐኦ ኣለዋ።

Comments (0)
Add Comment