ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ደርቢ ላንክሻዬር ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑል ዝገብረኦ ፀወታ ደርቢ ላንክሻዬር ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሰዓት 12 ክካየድ ኢዩ።

ቅድም ክብል ካብ ዝተኻየዱ ሽዱሽተ ፀወታታት ደርቢ ላንክሻዬር ጋንታ ሊቨርፑል ሓሙሽተ ግዘ ከምኡ እውን ማንቼስተር ዩናይትድ ሓደ ግዘ ስዒረን፡፡

ግብፃዊ ኣጥቃዓይ ሞሓመድ ሳላህ ኣብ መርበብ ኦልድትራፎርድ 14 ሸቶታት እንተመዝግብ÷ እንግሊዛዊ ማርከስ ራሽፎርድ ድማ ሸውዓተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ፡፡

መበል ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካልኦት ክልተ ፀወታታት እውን ዝካየዱ እንትኾኑ÷ ጋንታ ኣሰልጣኒ ኤንዞ ማሬስካ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ንክሪስታል ፓላስ ከምኡ እውን ኒውካስል ዩናይትድ ኣብ ስታዲየም ሴንት ጄምስ ፓርክ ንጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ከተኣናግዳ ኢየን፡፡

Comments (0)
Add Comment