ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኒውካስል እንትትዕወት ቸልሲ ማዕረ ተፈላሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበላ ሳልሳይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየርሊግ እንግሊዝ ኒውካስል ንቶተንሃም እንትትስዕር ቸልሲን ክሪስታል ፓላስን ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡30 ኣብ ዝተኻዱ ፀወታታት÷ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ኒውካስል ዩናይትድ 2 ን 1 ተዛዚሙ፡፡

ሸቶታት ኒውካስል ሃርቤ ባርነስን ኣሌክሳንደር ኢሳቅን እንተመዝግቡወን÷ ብሕታዊት ሸቶ ቶተንሃም ድማ ዳን በርን ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ ኣቑፂሩዋ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ዝተኻየደ ፀወታ ቼልሲን ክሪስታል ፓላስን 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡

ኒኮላስ ጃክሰን ብወገን ቼልሲ፤ ኤብረቺ ኤዜ ድማ ብወገን ክሪስታል ፓላስን ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment