ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቪኤኣር ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ድምፂ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ዝቕፅል ውድድር ዓመት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሓገዘ ዳይነት (ቪኤኣር) ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ድምፂ ክህባ ምዃነን እቲ ሊግ ኣፍሊጡ፡፡

ቪኤኣር ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ዝተወሰና ጋንታታት ብውሳነ ቪኤኣር ሕጉሳት ከምዘይኮናን ንኩዕሾ እግሪ እናረበሸ ከምዝርከብን እናገለፃ ፀኒሐን፡፡

ብቪኤኣር ቅርታ ካብ ዘለወን ጋንታታት ሓንቲ ዝኾነት ጋንታ ወልቨርሃምፕተን፤ ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ ዘቕረበት እንትትከውን÷ እቲ ፕሪሚርሊግ እውን መልሲ ሂቡ፡፡

ኣብ መልሱ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝቕፅለ 6 ሰነ ኣብ ዝግበር ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ጋንታታት ኣብቲ ጉዳይ ድምፂ ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ፡፡

ወልቭስ ብዘቕረበቶ ቅርታ መሰረት ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዝርከባ 20 ጋንታታት እተን 14 ቫር ንኽእገድ ድምፂ ዝህባ እንተኾይነን÷ ካብ ዝቕፅል ውድድር ዓመት ጀምሮ ቪኤኣር ተግባራዊ ዘይክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡

ቪኤኣር ቅድም ሸቶ ምስተቖፀረ ብንኽክኣትን ካብ ፀወታ ወፃእ ብዝኾኑ ምኽንያታት ከይፀድቁ ምግባሩ ንደገፍቲ እናናደደ ኢዩ ዝብል ቅርታ እናቐረበሉ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ፀወታታት ንምፍታሽ ዝወስዶ ግዘን ናይ ቪኤኣር ዳያኑ ዝፍፅሙዎም ስሕተታትን፤ ቤተሰብ ስፖርት ኣብ ቪኤኣር ዘለዎን እምነት እናስአኖም ከምዝርከብ ምግላፁ ሲኤን ኤን ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment