ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 29 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ተሳትፎ መድረኽ ኣውሮፓ ወሳንነት ዘለዎም ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎ ቻምፒየንስ ሊግ ንምርካብ ትነሓናሕ ማንቼስተር ሲቲ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ኢቲሃድ ንብራይተን ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ፅቡቕ ዓመተ ውድድር እናሕለፈት ትርከብ ኖቲንግሀም ፎረስት ድማ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ኣብ ምውራድ ምስ ትርከብ ኢፕስዊች ታውን ክትገጥም ኢያ።

ኤቨርተን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ከምኡ እውን ሳውዛምፕተን ምስ ዎልቭስ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት ሰዓት 12 ፀወተአን ዝገብራ ጋንታታት ኢየን።

ቦርንመዝ ምስ ብሬንትፎርድ ድማ ምሸት ሸዓት 2፡30 ክራኸባ ኢየን፡፡

ነቲ ሊግ ሊቨርፑል ብ70 ነጥቢ እንትትመርሖ ኣርሰናል ብ55 ከምኡ እውን ኖቲንግሃም ፎረስት ብ51 ነጥቢ 2ይን 3ይን ደረጃ ሐዘን ይርከባ።

ኢፕስዊች ታውን ፣ ሌስተር ሲቲን ሳውዛምፕተንን ድማ ኣብ ምውራድ ስግኣት ተቐሚጠን ኣለዋ።

Comments (0)
Add Comment