ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ወልቂጤ ከተማን ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ወልቂጤ ከተማን ተጋጠምተን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊበን።

ኣብ መበል 29 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9፡00 ክልተ ፀወታታት ተኻይዶም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንሻሸመኔ ከተማ 2 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ፡፡

ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንኽትዕወት ኣዲስ ግደይን ሱሌማን ሃሚድን እተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡

ብተመሳሳሊ ወልቂጤ ከተማ ንሃምበሪቾ 2 ን 0 እንትትስዕር÷ እተን ሸቶታት ድማ ጋዲሳ መብራቴን መድን ተክሉን ኣመዝገቦምወን፡፡

Comments (0)
Add Comment