ኣብ ፕሪሚየርሊግ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንድሬዳዋ ከተማ ብምስዓር ዳግም ነቲ ሊግ ምምራሕ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጋንታ ድሬዳዋ ከተማ 2 ን 1 ብምስዓር ዳግም ነቲ ሊግ ምምራሕ ጀሚራ፡፡

ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ሰሙን መርሃ ግብሪ ኣቤል ያለውን እስማኤል ኦሮ ኣጉሮን ሽቶታት ቅዱስ ጊዮርጊስን እንተመዝግቡ፥ ቢኒያም ጌታቸው ብሕታዊት ሸቶ ድሬዳዋ ከተማ ኣመዝጊቡዋ፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ31 ነጥቢ መሪሕነት እቲ ሊግ ካብ ኢትዮጵያ መድን እንትትርከብ፥ ድሬዳዋ ከተማ ብኣንፃሩ ብ18 ነጥቢ ኣብ ዝነበረቶ 10 ደረጃ ንምፅናሕ ተገዲዳ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment