ኣብ ፓርክ ኣንድነት ዑደት ንምግባር ዘኽእል ናይ ውሽጣ ውሽጢ በዓቲ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፓርክ ኣንድነት ብዘይ ምጭንናቕ ትራፊክ ዑደት ንምግባር ዘኽእል ናይ ውሽጣ ውሽጢ በዓቲ ክህነፅ ኢዩ ክብል ኤጀንሰ ማኔጅመንት ትራፊክ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ መረባ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ፓርክ ኣንድነት ዑደት ንምግባር ዝመፅኡ ቁፅሪ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ይውስኽ ምህላዉ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ከባቢ መእተዊ ቤተ መንግስቲ ዝረአ ምጭንናቕ ትራፊክ ንምቕናስ ካብ መረባ መስዓሚ ገብሪኤል ኣትሒዙ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዘሎ ፓርክ ኣንድነት ዑደት ንምግባር ዘኽእል ናይ ውሽጣ ውሽጢ በዓቲ ክህነፅ ኢዩ ኢሉ።

ነዚ ስራሕ ክበሃል ንሓደ ወርሒ ውሱናት መገዲታት ከምዝዕፀዉ እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ካብ ሂልተን ሆቴል ንሸነኽ የማን ዝዕፀፋ ተሽከርከርቲን ካብ ካዛንችስ ናብ 4 ኪሎ ዘውፅእን መገዲ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክዕፆ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment