ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት መቀነባበሪ ፍሪያታት ግብርና ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት መቀነባበሪ ፍሪያታት ግብርና ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ኢኮኖሚስት ፕሮግራም ምግቢ ማክሲሞ ቶሬሮ (ዶ/ር) ተገሊፁ።

ማክሲሞ ቶሬሮ (ዶ/ር)፥ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ከይዲ ፍሪያት ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሀ ይታገሱ (ዶ/ር)፣ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ደሚቱ ሃምቢሳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ማክሲሞ ቶሬሮ (ዶ/ር)፥ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ዝርከቡ ሱፍሌ ማልት ኢትዮጵያ ኣፍራዪ ቡቕሊ ቢራን ሺንትስ ኣፍራዪ ጨርቃ መርቂን ከይዲ ፍሪያት ርእዮም።

ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት መቀነባበሪ ፍሪያታት ግብርና ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment