ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሩባ ናይል ዘድሃበ ጉባኤ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሩባ ናይል ዘድሃበ ጉባኤ ተፋሰስቲ ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚነሲትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ተፋሰስቲ ሃገራትን ተወከልቲ ትካላት እቲ ዓውዲን፣ ኣብ ተፋሰስቲ ሃገራት ዝርከቡ ፕሬዚዳንታትን ልዕሊ ሸውዓተ ዩኒቨርሲቲታትን ተመራመርቲ ጉዳይ ሩባ ናይልን ተረኺቦም።

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሩባ ናይል ዘድሃቡ መፅናዕቲታት ቀሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment