ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዘሎ ዓቕሚ ንምጥቃም ሸንሸል ዛሕሉ ዝሓለወ ፍርያት ምቕራብ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዘለዋ ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ሸንሸል ዛሕሉ ዝሓለወ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ፍርያት ኣቮካዶ ብቅልጡፍ ናብ ዝድለ ዕዳጋ ምቕራብ ብኽነት ፍርያት ካብ ምትራፉ ሓሊፉ ፍርያት ኢትዮጵያ ተመራፂ ከምዝገብሮ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ንክልተ ዓመት እናገበሩዎ ዝነበረ መፅናዕቲ ሸንሸል ፍርያት ኣቮካዶ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መፅናዕቲ፥ እቲ ፍርያት ዛሕሉ ሓሊዩ ንውሽጢ ዓዲ ይኹን ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ንምቕራብ ዘኽእል ፕሮጀክት ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰፊሕ ዝኾነ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ከምዘሎ ካብ ኔዘርላንድስ እቲ መፅናዕቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዘቕረቡ ስቴቭ ቲስራክስ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርያት ዕዳጋ ኣቮካዶ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ልዑል ጠለብ ዘለወን ሃገራትን ከባቢታትን ተፈሊየን።

ብመሰረት ኢዙ ድማ ብሪታኒያ፣ ከባቢ ማእኸላይ ምብራቕ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ቅረበትን ሃገራት እቲ ዞባ ብኣፍራይነት ሕርሻ ዘይፍለጣ ብምዃነን፣ ቻይናን ሩሲያን ብቁጠባዊ ሃብቲ ጥንካረአንን ብዘለወን በዝሒ ህዝቢን በቲ መፅናዕቲ ምቹው መባፅቲ ዕዳጋ ተገይረን ተፀሪሐን።

እቲ መፅዕቲ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስ እናመርሖ በዓል መዚ ማሪታይም፣ ሚኒሰስቴር ሕርሻን ካልአት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎምሉ።

ዝሑል ሸንሸል ዕዳጋ፥ ሓደ ፍርያት ድሕሪ ምፍራዩ ናብ ዕዳጋ ዝቐርበሉ እዋን ካብ ሓረስታይ ክሳብ ተጠቃሚ ክሳብ ዝበፅሕ ኣብ ዘሎ እዋን ብዛሕሊ ምጉዕዓዝ፣ ኮንቴነር፣ ትራንስፖርት ባቡር ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ዘሎ ከይዲ ኢዩ።

ብምስክር ስናፍቅ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment