ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ብዘብፅሑዎ መጥቃዕቲ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ኣብ ልዕሊ ተሸከርከርቲ ብዘብፅሑዎ መጥቃዕቲ ህይወት ሰለስተ ሰባት እንትሓልፍ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀፅታን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓለቓ ሚኢቲ ስላሴ ሽሎ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝፈፀሙዎ ኣብ ዝፀዓኑዎ ሸቐጥ ሰባት ኣሳፊሮም ካብ ዲላ ናብ ኣማሮ እናተጓዓዙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰለስተ ኤፍ-ኤስ- ኣር ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ብዝኸፈቱዎ ተኹሲ ልዑል ሓደጋ በፂሑ ኢዩ ኢሎም።

በቲ መጥቃዕቲ ሹፌር እታ ተሸከርካሪት፣ ሓጋዚኡን ሓደ ተሳፋሪን ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ኣብታ ተሸከርካሪት ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ብጥይት ተወቒዖም ከምዝቖሰሉ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

እቶም ዕጡቓት ካብ ዘብፅዎ ቅትለት ብተወሳኺ ንብረት ነጋዶ ዝኾኑን ኣብተን ተሸከርከርቲ ዝነበሩን ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዘረፊ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment