ኣብ ፋብሪካ ዓለባኤልያስ ዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 350 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ዓኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንደር ኢንዱስትሪ ቃሊቲ ፋብሪካ ዓለባኤልያስ ዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 350 ሚሊየን ብር ዝግመት ዕንወት ንብረት ምብፅሑ ተገሊፁ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ንጋቱ ማሞ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ትማሊ ምሸት 3፡15 ኣብ ክፍለ ከተማ ቃሊቲ ወረዳ 7 ፍሉይ ቦታ ኢንዱስትሪ መንደር ቃሊቲ ፋብሪካ ዓለባ ኤልያስ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ኢዩ።

ካብ ሰብ ዋና ንብረት ብዝተረኸበ ሓበሬታ እውን 350 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ኣብሪሆም።

ብዝተገበረ ርብርብ ምቁፅፃር ሓደጋ ለይቲ ሰዓት 7 እቲ ባርዕ ሓዊ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁፅፃር ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ኢንተርፕራይዛት ስራሕን ልምዓት ኢንዱስትሪን ኣይተ ዣንጥራር ኣባይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ሰብ ንብረት ምፅንዕነዖም ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment