ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ትራንፎርሜሽን ሕርሻን ፋውንዴሽን ማስተርካርድን ኣብ ፈጠራ ስራሕ ሕርሻ ልዕሊ 600 ሺሕ መናእሰይ ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮግራም ዕላዊ ገይሮም፡፡
ኣብ ፈጠራ ስራሕ ሕርሻ ትኹረት ክገብር ኢዩ ዝተባህለ ፕሮግራም “ኤ ዲ ኢ ዋይ” 80 ሚኢታዊ ተረባሕቲ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን ተባሂሉ፡፡
እቲ ፕሮግራም ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ሶማሌ ካብ ፋውንዴሽን ማስተርካርድ ብዝተረኸበ 74 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዝትግበር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
“ኤ ዲ ኢ ዋይ” መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ዕድጊትን እታወታትን ሕርሻ፣ ኣብ ምውሳኽ እታወትን እሴት ምቅንብባር ፍርያታት ሕርሻን ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ፕሮግራም ከምዝኾነ ካብ ኢንስቲትዩት ትራንፎርሜሽን ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡