ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፈታኒ ኩነታት ዘዕግብ ዓወታት ዲፕሎማሲ ምምዝጋቦም ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ገሊፆም።
ኣምባሳደር ነብያት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2017 ዓ.ም ኣብ ርክብ ወፃኢ ዝተሰርሑ ስራሕቲን እዋናዊ ምንቅስቓሳት ዲፕሎማሲን ዳህሲሶም።
ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ብምንቅስቓስ ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺቡ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ኩለ መዳይ ዝምድና ዘጠናኽር ተግባራት ምክያዶምን ኣብዚ ቀጣና ሰላም ንምኽባር ዘለዋ ግደ ኣፍልጦ ከምዝረኸበን ገሊፆም።
ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ልዕሊ 128 ዑደታት ላዕለዎት ሰብ መዚ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ኣባል ብምዃን ምምራፃ ኣብቶም ኣዋረሕ ካብ ዝነበሩ ዓወታት ሓደ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ስለዚ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ዘዕግብ ዓወታት ዲፕሎማሲ ምምዝጋቦም ገሊፆም።