ኣብ ፅዋዕ ዓለም ካሜሩንን ሰርቢያን 3 ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ዓለም ካሜሩንን ሰርቢያን ሰለስተ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን።

ኣብ ምድብ ሸውዓተ ዝርከባ ካሜሩንን ኣብ ዘካየደኦ ካልኣይ ዙር ፀወተአን ካሜሩን ብ ሰርቢያ ተበሊፃ 3 ን 1 ተመሪሓ ዝነበረት ትኁን እምበር÷ ብክልተ ሸቶታት ቪንሰንት ኣቡበከርን ቺፖ ሞቲንግን ተሓጊዛ ማዕረ ክትከውን ክኢላ።

ናይ ካሜሩን ሸቶታት ጄን ካሴሌቶ፣ ቪንሰንት አቡበከርን ቺፖ ሞቲንግን እንተመዝግቡ÷ ሸቶታት ሰርቢያ ድማ ስትራኒያ ፓቭሎቪች፣ ሳቪችን ኣሌክሳንደር ሚትሮቪች ኣመዝጊቦምወን፡፡

ፀወታ ቅድሚ ምጅማሩ ንጋንታ ኤሲ ሚላን ዝፃወት ሓላዊ ልዳት ኣንድሪ ኦናና ምስ ኣሰልጣኒኡ ብዘይምስምምዑ ካብ ጋንትኡ ለቒቑ ከምዝወፅአ ተሓቢሩ።

ኣብ ፈላማይ ፀወታ እቲ ምድብ ካሜሮን ብስዊዘርላንድ 1 ን 0 እንትትሰዓር÷ ሰርቢያ ድማ ብብራዚል 2 ን 0 ምስዓረን ይዝከር፡፡

ናይ መወዳእታ መርሃ ግብሪ ፀወተአን ካሜሩን ምስ ብራዚል ከምኡ እውን ሰርቢያ ምስ ስዊዘርላንድ ክራኸባ ኢየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment