ኣብ ፅዋዕ ዓለም ሞሮኮን ፈረንሳይን ሎሚ ምሸት ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሓደ ፀወታ ክግበር ኢዩ።

ኣፍሪካዊት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ፈረንሳይ ናብ ፍፃመ ፀወታ ንምሕላፍ ክፃወታ ኢየን፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም እንትራኸባ ንፈለማ እዋን ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ትዕወት ሃገር÷ ዝቕፅል ሰንበት ምስ ኣርጀንቲና ኣብ ፍፃመ ፀወታ ክትራኸብ ኢያ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ÷ ኣርጀንቲና ንክሮሺያ 3 ን 0 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ምሕላፋ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment