ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሴኔጋል ምስ ቡርኪናፋሶ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካሜሮን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ክራኸባ ኢየን።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣሊዎ ሲሴ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ከምዝኸውንን ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ መፃረዪ ፀወታ ትሑት ኣጀማምራ የርእያ እምበር ሕዚ ግን ንባዕለን ኣመሓይሸን ፅቡቕ ብቕዓት እናርአያ ከምዝኾናን ገሊፆም፡፡

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ካሙ ማሎ ብግደኦም፥ “ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ጥንኩር ከምዝኾነ ንግንዘብ ኢና፣ ከምዚ ዓይነት ጋንታታት እንተጋጥሙ ድማ ዝሐሸ ታክቲክ ሒዝካ ምእታው የድሊ፣ ይኹን እምበር ዝተፈለየ ኣሰላልፋ ሒዝና ኣይነኣቱን፣ ብናይ ባዕልና መገዲ ነቲ ፀወታ ንምስዓር ናብ ሜዳ ክንኣቱ ኢና” ኢሎም፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ካሜሮን ስታዲየም ያውንዴ ከምዘፃወታ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment