ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብ መበል 17 ውድድር ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ መወዳእታ ወሰንቲ ፀወታታት ምድብ 5 ን 6 ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክግበሩ ኢዮም።

በዚ ድማ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ከምኡ እውን ፖርቹጋል ምስ ጆርጂያ ዝግረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ምሸት ሰዓት 1 ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ከምኡ እውን ስሎቫኪያ ምስ ሮማኒያ ክጋጠማ ኢየን፡፡

ኣብዚ ምድብ ዝርከባ ኩለን ሃገራዊ ጋንታታት ማዕረ ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ምፅምባር ዕድል ኣለወን፡፡

ብሙዃኑ ድማ እተን ሃገራዊ ጋንታታ ናብ ቀፃሊ ዙር ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ንቱርኪን ቼክሪፐብሊክን ብምስዓር ኣቐዲማ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፖርቹጋል ምሸት ሰዓት 4 ኣብቲ ምድብ ኣብ መወዳእታ ምስ ትርከብ ጆርጂያ ክትፃት ኢያ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብዚ ምድብ ትርከብ ቱርኪ ምስ ቼክሪፐብሊክ ክትነሓናሕ ኢያ፡፡

ንቱርኪ ማዕረ ምውፃእ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ዝኣኽላ እንትኸውን÷ ቼክ ሪፐብሊክ ድማ ናብ ቀፃሊ ንምሕላፍ ክትዕወት ኣለዋ፡፡

Comments (0)
Add Comment