ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ፀጋታትን ብድሆታትን ኣከባብራ ንግሲ በዓል ሕዳር ፅዮንን ሕውየት መስሕብ ቦታታትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፥ ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፣ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱምን ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራት ከተማ ኣኽሱምን ዝተሰናደአ ኢዩ ተባሂሉ።
በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ዘለውዎ ፀጋታትን ብድሆታትን ካልኦትን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።