ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዶርትመንድን ፓሪስ ሴንት ጀርሜይንን ክጋጠማ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊት ጋንታ ቦርሺያ ዶርትመንድን ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ጀርሜይንን ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቀዳማይ ዙር ፀወተአን ሎሚ ምሸት ከካይዳ ኢየን፡፡

እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ዶርትመንድ ሲገናል ኤዱና ፓርከ ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ ፓሪስ ፓርክ ደ ፕሪንስ ክካየድ ኢዩ፡፡

ትማሊ ምሰት ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ሪያል ማድሪድን ኣብ ኣሊያንዝ ኣሬና ዝገበረኦ ቀዳማይ ዙር ፀወታ÷ ክልተ ማዕረ ብዝኾነ ውፀኢት ተፈላሊየን፡፡

ንባየርን ሙኒክ ሌሮይ ሳኔን ሃሪ ኬን እንተመዝግቡ÷ ንሪያል ማድሪድ ድማ ቪኒሽየስ ጁኒየር ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment