ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ናይ መልሲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ካካየዱ ኢዮም፡፡
ኣትሌቲኮ ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ምስ ናይ ከተማ ተናሓናሒታ ሪያል ማድሪድ ምሸት ሰዓት ከተተኣናግድ ኢያ።
ቀዳማይ ዙር ፀወታ ብዓወት ጋንታ ሪያል ማድሪድ 2 ን 1 ምዝዛሙ ይዝከር።
ብተመሳሳሊ ሰዓት እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ምስ ፒኤስቪ ፀወታኣ ክትገብር ኢያ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ኣርሰናል ናብ ኔዘርላንድስ ብምምራሕ ኣብ ልዕሊ ፒኤስቪ ሸውዓተ ሸቶታት ብምምዝጋብ 7 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ብምስዓር ምምላሳ ይዝከር።
ኣስቶንቪላ እውን ኣብ ሜዳኣ ቪላ ፓርክ ንክለብ ብሩዥ ብተመሳሳሊ ሰዓት 5 ክተተኣናግድ ኢያ።
ቪላ፤ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፅወታ ካብ ሜዳኣ ወፃእ 3 ን 1 ምዕዋታ ይፍለጥ።
ካብዞም ፀወታታት ቅድም ኢሉ ምሸት ሰዓት 2፡45 ፈረንሳዊት ጋንታ ሊል ንጀርመናዊት ጋንታ ቦርሲያ ዶርትሙንድ ክተተኣናግድ ኢያ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ሲግናል ኤዱና ፓርክ ዝገበረኦ ፀወታ 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ምዝዛመን ይዝከር።
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ፤ ባየርን ሙኒክ፣ ፒኤስጂ፣ ባርሴሎናን ኢንተር ሚላን ንተጋጠምተን ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ተፀምቢረን።