ኣብ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ባርሴሎናን ባየርን ሙኒክን ዝገብረኦ ግጥም ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ባርሴሎናን ባየርን ሙኒክ ዝገብረኦ ግጥም ትፅቢት ይገበረሉ፡፡

ምሸት ሰዓት 1፡45 ኣብ ከተማ ቤርጋሞ ጣሊያናዊት ጋንታ ኣታላንታ ምስ ስኮትላንዳዊት ሴልቲክ ከምኡ እውን ፈረንሳዊት ጋንታ ብረስት ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሌቨርኩሰን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

ብኻሊእ መርሃ ግብሪ ምሸት ሰዓት 4 ባርሴሎና ምስ ከባየርን ሙኒክ ዝገብረኦ ፀወታ ልዑል ትኹረት ረኺቡ ይርከብ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ሊል፣ ቤኔፊካ ምስ ፌይኖርድ፣ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ስፓርታ ፕራግ ኣር ቢ ሌይብዚግ ምስ ሊቨርፑል ክራኸባ ኢየን፡፡

ኦስትሪያዊት ጋንታ ሬድ ቡል ሳልዝበርግ ምስ ክሮሽያዊት ጋንታ ዳይናሞ ዛግሬብን ስዊዘርላንዳዊት ጋንታ ያንግ ቦይስ ምስ ኢንተርሚላን ሰዓት 4 ዝረኸባ ኢየን፡፡

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ÷ ሪያል ማድሪድ ንቦሩሲያ ዶርትሙንድ 5 ን 2፣ ኤሲሚላን ንክለብ ብሩጅ 3 ን 1፣ ሞናኮ ንሬድ ስታር ቤልግሬድ 5 ን 1፣ ኣርሰናል ንሻክታር ዶኔስክ 1 ን 0፣ ኣስቶንቪላ ንቦሎኛ 2 ን 0፣ ዢሮና ንስሎቫን ብራቲስላቫ 2 ን 0፣ ስቱትጋርት ንጁቬንቱስ 1 ን 0፣ ስፖርቲንግ ሊዝበን ንስቱርም ግራዝ 2 ን 0 እንትስዕራ፤ ፒኤስጂን ፒኤስቪን 1 ማዕረ ተፈላልየን፡፡

Comments (0)
Add Comment