ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ዝተዋፈሩ ኣካላት ተሓተትቲ ዝገብር ኣሰራርሓ ምዝርግሑ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ዝተዋፈሩ ኣካላት ምስ ኣካላት ፍትሒ ብምትሕብባር ተሓተትቲ ዝገብር ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ምስ ኣመራርሓትት ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ሓቢሮም ኣብ ዝሰርሑሉ ኩነታት ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ምክትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሰሎሞን ሶካ፥ እቲ ኮሚቴ ኣበ ተበፃሕነት ፋይናንስ፣ ኣብ ሰርፊ ወፃኢን ማሕለኻታት ምቁፅፃር ፀሊምዕዳጋን፣ ኣብ ርክባት ኦዲት ከምኡ እውን ቅሬታ ህዝቢ ዝበዝሖም ከባቢታት ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናህሪ ዕዳጋ ምርግጋዕ፣ ሕጊታት ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ዝጥሕሱ ባንኪታት ዝግበር ስራሕቲ ቁፅፅር፣ በቲ ኲናት ዝዓነዉ ባንኪታት መሊስካ ምጥያሽ፣ ኣብ ኣገልሎት ልቓሕ ብፍላይ ዘፈር ሕርሻ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ እቲ ባንኪ ኣብ ቀፃሊ ዝሓዞም ኣንፈታት ብዝምለከት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ መብርሂ ሓቲቱ፡፡

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴ፥ ቀዋሚን ተንቀሳቓሲን ንብረት ዘለዎም ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ድጋፍ ብመሃብ ልቓሕ ክልቕሑ ንኽኽእሉ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወፅአ ኣዋጅ ተግባራዊ ብምግባር እቲ ፀገም ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝፍታሕ ገሊፆም።

ብሕጊ ሸሪያ ዝምርሑ ባንኪታት ድማ ባዕሎም ክኢሎም ጠጠው ንኽሉን ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ንምዝማንን ስራሕቲ ሪፎርም እናተሰርሑ ኢዮም ምባሎም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደድእ።

ብምኽንያት ኲናት ዝዓነዉ ባንኪታትን ጨንፈራትን ከምብሓዱሽ ኦዲት ጥረ ገንዘብ ብምግባር ኣገልግሎት ንኽህቡ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝገለፁ ዶክተር ይናገር፥ ሕጊ ብሄራዊ ባንኪ ዝጥሕሱ ባንኪታት መምሀሪ ዝኾነ ቅፅዓት ከምዝተቐፅዑ ኣብቲሆም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment