ኣብ ጦር ግምባር ዝፈፀምክን ደቂ ኣንስትዮ ንዘምፃእኽንኦ ዓወት ነመስግን – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብኣኽን ድርብ መስዋእትነት ክትቅፅል ኢያ፤ ንዓኽን ክብሪ ምሃብ የድሊ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8) ኣብ ክበብ መኮንናት ምክልኻል ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።

ብብርኪ ዓለም ንመበል 111 ግዘ ብኢትዮጵያ ድማ ንመበል 46 ግዘ ኣብ ዝኽበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መግስቲን ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻልን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ “ኣብ ጦር ግምባር ዝፈፀምክን ደቂ ኣንስትዮ ንዘምፃእኽንኦ ዓወት ነመስግን፤ ሰላም ሃገርና ብቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይረጋገፅ፤ ብመስዋእትነት ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ተሓፊራን ተኸቢራን ክትነብር ኢያ” ኢለን፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዝኸፈቶ ኲናት ዓቢዪ ግደ ዝበረንን ታሪኽ ዝፀሓፋን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ምስክር ወረቐትን ምስጋናን ተበርኪቱለን።

እቲ መዓልቲ፥ ብብርኪ ሃገር “ኣነ እውን ናይ ሓፍተይ ሓላዊ እየ!!” ብሰራዊት ምክልኻል ድማ “ሰላም ሃገርና ብተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ይረጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ተኸቢሩ።

ብቅድስት ተስፋዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment