ኣብ ጥቓ ከተማ ሓውዜን ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 4 ወገናት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ከተማ ሓውዜን ናብ መጋብ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሂወት ኣርባዕተ ወገናት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 2:45ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሚዲካል ዳይረክተር ፍረ ሰማእታት መባእታዊ ሆስፒታል ሓውዜን ዶ/ር ዑቑባይ ሓጎስ ገሊፆም።

በቲ ዝዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት እንትሓልፍ÷ ኣብ ልዕሊ 10 ሰባት ከቢድ መጉዳእቲን ኣብ ሸሞንተ ሰባ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ከም ዝበፅሐ ኣፍሊጦም።

ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሪፈር ዝተብሃሉ 10 ወገናት፣ እቶም ክልተ ኣብ መንገዲ ከምዝሞቱን እቶም ሸሞንተ ግን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

ቀሊል ጉድኣት ካብ ሞንጎ ዝበፅሖም ሸሞንተ ሰባት ድማ እቶም 2 ሽዑ ንሽዑ ግቡእ ሕክምና ተገይርሎም ንገዝኦም ከምዝተፋነዉን እቶም 6 ግን ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ሓውዜን ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ዶ/ር ዑቑባይ ኣብሪሆም።

ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሓውዜን ሻምበል ተኽላይ እቲ ሎሚ ሕዳር 21 ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ መኪና ሓንቲ ካብ ጣብያ ቆራሮ 22 ሰብ ፅዒና ናብ ከተማ ሓውዜን ትኸድይብ ዝነበረት ናይ ህዝቢ ሚኒባስ ብከተማ ሓውዜን ኣቢላ ናብ መስመር መጋብ ትወርድ ምስ ዝነበረት ናይ ፅዕነት ሲኖትራክ መኪና ቀያሕታይ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቁልቁለት ብምልታመን ዝበፅሐ ሓደጋ ምኻኑ ሓቢሮም።

መንቀሊ እቲ ሓደጋ ገና ኣብ ከይዲ ምፅራይ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ዋና ኣዛዚ÷ ኣሸከርከርቲ ሕዚ እውን ናህሮም ብምሕላውን መስመሮም ብመሓዝን ብሓላፍነት ንከሽከርክሩ ምትሕስሳቦም ካብ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment