ኣብ ጥሕሰት ሲቪል፣ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰላት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጥሕሰት ሲቪል፣ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰላት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘድሃበ ዘተ ምክያዱ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ ኣብ ረቂቕ ሰነድ ሳልሳይ ናይ ተግባር መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ሰብኣዊ መሰል ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ትካላት ሃይማኖትን ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴሪኢ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፥ ቅድም ክብል ክልተ ሰነዳት ናይ ተግባር መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ሰብኣዊ መሰል ተዳሊዮም ተግባራዊ ንምግባር ፃዕሪ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሳልሳይ ናይ ተግባር መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ብዝበለፀ ተፈፃሚ ንምግባር ዝሓለፉ ከይዲታት ብዝግባእ ከምዝተፈተሸ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሰነድ ቅድሚያ ክቀሃቦም ዝግብኡ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ዘካተተን ንኣፈፃፅማን ኣተገባብራን ብዝምቹ መልክዑ ከምዝተዳለወ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት እታወት ከምዝተኣከቡ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ሰነድ ዝተካተቱ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራትን ብሓፈሻ ኣብቲ ረቂቕ ሰነድ ብምትኳር ልዝብ ብምግባር እታወት ከምዝተኣከበን ምግላፂፁ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment