ኣብ ጣልያን ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ቁፅሪ ሰባት 197 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጣልያን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ [ኮቪድ-19] ካብ ዝርአ ኣትሒዙ ብሰንኪ እቲ ሕማም  መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 197 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብሰንኪ እቲ ሕማም 49 ሰባት ከም ዝሞቱን ናይቲ ሕማም ምልክት ዝተረኣዮም ድማ 4 ሺሕን 600 ከም ዝኾነ ሰብ መዚ ጣልያን ዕላዊ ገይሮም።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ጣልያን ንፈለማ እዋን ዝተረኣየሉ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እንትኸውን፥ ብሰንኪ እቲ ሕማም ካብ ቻይና ቀፂላ ብዙሕ ዜጋታታ ዝሰኣነት ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ቀንዲ ግዳይ እቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይና ድማ ዛጊድ 3 ሽሕ ሰባት ሞይቶምዋ ኣለው።

ንጣልያን ብበዝሒ ቁፅሪ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ዝቕድምኣ ሃገራት ቻይና፣ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ጥራሕ እየን።

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣዝዩ ዘጨንቕ ብርኪ ከም ዝበፅሐን ኩላተን ሃገራት ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ከምዘለወንን ኣተሓሳሲቦም ኢዮም።

ማእኸላይ ዕድመ እቶም ዝሞቱ ሰባት 81 ከም ዝኾነ ዝገለፀ ትካል ጥዕና ጣልያን፥ መብዛሕቲኦም ብኻልኦት ሕማማት’ውን ዝተጥቕዑ ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብታ ሃገር ብኮሮና ቫይረስ ካብ ዝተለኾፉ ሰባት እቶም 4 ነጥቢ 25 ምኢታዊ ከም ዝሞቱ መንግስቲ ጣልያን ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ የመልክት።

እዚ ድማ ካብ ዓለም እቲ ዝበረኸ እዩ ተባሂሉ።

ጣልያን፥ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ካብ ዝበዝሕወን ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድምቲ ትስራዕ ሃገር እያ።

መንግስቲ እታ ሃገር ምእንቲ ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ክብል ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ን10 መዓልታት ክዕፀዋ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ንሰሪኣ ጣልያን ሓዊሱ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ንሓደ ወርሒ ኣብ ዕፅው መይዳ ክካየድ’ውን ወሲና።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment